L

ዘራይ ኣለኒ ኣነ

ውሽጠይ ክጸምእ ኣአሙሮይ ክርበሽ
ልበይ ከንበድብድ ሱጉምተይ ክዕንቀፍ
ክቃለስ ፈቲነ ምስናይ ዓለም ኩናት
ክሰጉሮ ክስዕሮ ብናይ ውልቀይ ብቅዓት
ተሽኒፈ ተረፍኩ ብናይ ዓለም ግዝኣት
ኢደይ ሂበ ዘራይ እና ኣናደኹ
የሱስ ረኺቡኒ ዘራይ ዘራይ ንዘይብሉ
ናይ ነገስታት ንጉስ ናይ ዩሁዳ ኣንበሳ
ዘራይ ኣለኒ ኣነ (2)
ኣድሒኑኒ ብደሙ ንዓለም ምስ ሰዓረ
ዘራይ ኣለኒ ኣነ(2)
ብርሃን ዘብርሀ ሂወተይ ምስ ጸልመተ
ዘራይ ኣለኒ ኣነ (2)
ዘየዳሉ ንኹሉ ብማዕረ
ብጸጋ ኣድሒኑኒ ብናጻ
ልበይ አልል ትብል ብደስታ
ብጸጋ ኣድሒኑኒ ብናጻ
ህዋሳተይ ናዓኻ ይኹን ሕያዋይ ክቡር ጎይታ
መንፈሱ ኣፍሲሱለይ አቲ ህያው ተስፋ
ምስጢሩ ክገልጸለይ ክመስል ንጎይታ
ብትሕትና ክመላለስ ብፍቕሪ
ወንጌል ከስፍሕ ክሳብ ወሰን ምድሪ
ምስክር ክኸውን ናይ መስቀል ውዕለት
ከዘንቱ ትንሳኤ ዕለት ዕለት
-------------ኣሜን--------
ሰላም ኣምላኽ ምሳኹም ይኹን
©lulenda